አብ ደቂ ተባዕትዮ ዝፍጠር ናይ ፆታዊ ርክብ ሽግር
ናይ ፆታዊ ርክብ (ተራኽቦ) ሽግር ዝባሃሉ ዝኮኑ ብፆታዊ ርክብ ዝርከብ ዕግበት ዝቅንሱ አካላዊ ኮነ ስነ-ልቦናዊ ፀገማት እዮም። አብ ደቂ ተባዕትዮ ዝፍጠር ናይ ፆታዊ ርክብ ሽግር አብ ዝኮነ ዕድመ ዝፍጠር እኳ እንተኾነ ዕድመ ብዝወሰኸ ቁፅሪ ግን ናይ ምፍጣር ዕድሉ ይውስኽ እዩ።
አብ ደቂ ተባዕትዮ ዝፍጠሩ ናይ ፆታዊ ርክብ እዞም ዝሰዕቡ እዮም ፡-
- ናይ ፆታዊ ርክብ ድሌት ዘይምህላው
- አብ ግዜ ፆታዊ ርክብ ናይ መትሎ (ብልዕቲ) ጠጠው ዘይምባል ወይከአ ጠጠው ኢሉ ዘይምጽናሕ
- ቀልጢፍካ ምውዳእ ( ቀልጢፍካ አብ ርውየት ምብፃሕ)
- አብ ግዜ ፆታዊ ርክብ ምውዳእ ዘይምኽኣል ወይ ድማ ድሕሪ ጻንሒት ምውዳእ
አብ ደቂ ተባእትዮ ናይ ፆታዊ ሽግር ክፍጠሩ ዝገብሩ ነገራት እንታይ እዮም?
ናይ ፆታዊ ርክብ (ተራኽቦ) ሽግር ዘምጽኡ ነገራት ንምርዳእ ብፈለማ አብ ግዜ ፆታዊ ርክብ ናይ እቲ ወዲ ተባዕታይ መትሎ (ብልዕቲ) ንምንታይ ጠጠው ከምዝብልን አብመወዳእታ እቲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝፈስስ ምርዳእ የድሊ እዩ።
ብተፈጥሮ ሓደ ወዲ ተባዕታይ ንፆታዊ ርክብ አብ ዝዳለውሉ ግዜ አብ ውሽጢ መትሎ (ብልዕቲ) ዘለዉ ናይ ደም ሰራውር ይሰፍሑ። ናብ መትሎ (ብልዕቲ) ዝኸይድ ናይ ደም ፍሰት ይውስኽ። እዚ እውን ናይ ወዲ ተባዕታይ ብለዕቲ ጠጠው ንክብል ይገብር። ብምቅፃል ብማእኸላዊ ሥርዓተ መትኒ አቢሉ ብዝፍጠር ሃንደበታዊ ምላሽ ዝተአከበ ናይ ወዲ ተባዕታይ ዘርኢ ናብ ደገ ይፈስስ።
ካብ ዝሰዕቡ አካላዊን ስነ-ልቦናዊን ሽግራት ናይ ፆታዊ ርክብ ሽግራት ካምፅኡ ይኽእሉ። ካብ አካላዊ ስግራት ዝተወሰኑ እዚኦም እያም ፡-
- ናይ ቴስቴስትሮን (ናይ ደቂ ተባዕትዮ ሆርሞን) መጠኑ ይቅንስ
- ዝተፈላለዩ መድሓኒታት (ንአብነት ናይ ሕማም ጭንቀት መድሓኒት ፣ ንድም በዝሒ ዝወሃቡ መድሓኒታት…)
- ከም ደም በዝሒ ናይ ደም ሰራውር ዝጎዳኡ ሕማማት
- ሽጋሯ ምስታይ
- አልኮላዊ መስተ አብዚህኻ ምስታይ
- ሓሽሽ ምጥቃም
- ናይ መትኒ ጉድአት እንተሃልዩ ንአብነት ናይ ስትሮክ ሕማም ፣ ናይ ሕማም ሽኮርያ ፣ ከምኡውን አብ ግዜ መጥባሕቲ ዝፍጠር ናይ መትኒ (ነርቭ) ጉድኣት ናይ ፆታዊ ርክብ ሽግር ወይ ስንፈት ከስዕብ ይኽዕል።
ካብ ስነ-ልቦናዊ ሽግራት ዝተወሰኑ እዞም ዝስዕቡ እዮም ፡-
- አብ ሞንጎ መፃምድቲ ዘይምስምዕማዕ እንተሃልዩ
- ሕማም ጭንቀት
- ዓርሰ እምነት ምስኣን
- ቅድሚ ሕዚ ናይ ፆታዊ ጥቅዓት በጺሕዎ እንተኔሩ ወይድማ ምስ ፆታዊ ርክብ ዝተተሓሓዛ ፅቡቅ ዘይኮነ ተዘክሮ እተሃልዩ
- ምስ ስራሕ ዝተተሓሓዘ ጭንቀት እንተሃልዩ
አብ ደቂ ተባዕትዮ ዝፍጠር ናይ ፆታዊ ርክብ ሽግር ብከመይ ይሕከም?
1) መድሓኒት
ናይ ፆታዊ ርክብ ሽግራት ንምሕካም ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ዓይነታት መድሓኒት አለው። ንአብነት ናይ መትሎ ዝከይድ ናይ ደም ፍሰት ንምውሳክ ዝረድኡ መድሓኒታት ሲድናፊል (sildenafil) ፣ ቫርደናፊል (vardenafil) እዚም መድሓኒት ፆታዊ ርክብ ቅድሚ ምፍፃም ካብ 30 ደቂቃ እስካብ 1 ሰዓት አቀዲምካ ዝውሰዱ እንትኾኑ ናይ ወዲ ተባዕታይ መትሎ ጠጠው ንኽብል ይሕግዙ። ብጽናዓት ከም ዝተረጋገፀ ካብ 70 ሚእታዊ ውፅኢታውያን እዮም። ይኩን እምበር እዞም መድሓኒት ናይ ወዲ ተባዕታይ መትሎ ጠጠው ንክብል እንተረድኡ እኳ ናይ ፆታዊ ርክብ ድሌት ግን ንኽውሰኽ አይገብሩን።
እዞም መድሓኒት ከም ሕማም ርእሲ ፣ ውግኣት አፍ ልቢ ፣ ረሃፅ ፣ ካብ ዝተደለየ ንላዕሊ ናይ መትሎ ጠጠው ምባል፣ ምግቢ ናይ ዘይምሕቃቅ ሽግር ከማኡውን ምላስ(ዕግርግር ምባል) ዝመሳሰሉ ጎናዊ ሳዕቤን ከምፅኡ ይክእሉ። እዞም መድሓኒት ናይ ሕማም ልቢ ፣ ናይ ሕማም ደም በዝሒ ከምኡውን ናይ ስትሮክ ሕማም ዘለዎም ሰባት ተዘይውሃብ ይምከር። ተተዋሂቡ ድማ ዝለዓለ ጥንቃቀ ክግበር አለዎ።
2) ናይ ሆርሞን ቴራፒ
ዝተሓተ ናይ ቴስቴስትሮን ሆርሞን ዘለዎም ደቂ ተባዕትዮ ናይ ሆርሞን ቴራፒ ሕክምና ብምሃብ ናይ ፆታዊ ርክብ ድሌቶም ንክውስኽ ምሕጋዝ ይካአል እዩ።
3) ናይ ስነ-ልቦና ሕክምና
ናይ ፆታዊ ርክብ ሽግሩ ብስነ-ልቦና ሽግር እንተኾይኑ ድማ ናይ ሳይኮቴራፒ ሕክምና ክረክቡ ይኽእል። እዚ እውን ጭንቀት ፣ ፍርሓትን ምስልቻውን ከመይ ከምዝቅንስ ምስ በዓል ሞያ ብምዝርራብ ምፍታሕ ይካአል እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ምስ በዓልቲ ገዛኻ ዘየሰማምዕ ጉዳይ እንተሃልዩ ናይ ሓዳር ኣማኻሪ በዓልሙያ ብምዝርራብ ፀገማትካ ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ምምኳር ይካአል እዩ።
4) ቀልጢፎም ንዝውድኡ ደቂ ተባዕትዮ ዝወሃብ ሕክምና
አብ ግዜ ፆታዊ ርክብ ቀልጢፎም ንዝውድኡ ደቂ ተባዕትዮ ዝውሃብ ሕክምና ንሕማም ጭንቀት ዝወሃቡ መድሓኒት እዮም። ካብዚ ብተወሳኺ ቀልጢፍካ ናይ ምውዳእ(ዘርኢ ናይ ምፍሳስ ስምዒት ክህሉ ከሎ) ፆታዊ ርክብ ብምቁራፅ ናይ መትሎ ጫፉ ፀቂጥካ ብምሓዝ ቀልጢፍካ ንከይትውድእ ይረድአካ እዩ። እዚ መንገዲ እስካዕ 10 ግዜ ብምድግጋም ወዲ ተባዕታይ ቀልጢፉ ከይወደኣ ንክፀንሕ ምግባር ከምዝካኣል መጽናዕትታት ይጥቁሙ።
5) ካልኦት ናይ ሕክምና ኣማራፅታት
ካብዚ ብተወሳኪ ካልኦት ዝተፈላለዩ ናይ ሕክምና አማራፅታት አለው። ንአብነት ፡-
- አብ መትሎ ዝውግኡ መድሓኒታት (እዞም መድሓኒት አብ መትሎ ዝርከቡ ናይ ደም ሰራውር ንክሰፍሑ ብምግባር መትሎ ጠጠው ንክብል ይረድኡ።)
- ካልኦት አማራፅታት ድማ ደም ካብ መትሎ ናብ ሰውነት ንከይምለስ ዝረድኡ አብ ናይ ወዲ ተባዕታይ መትሎ ዘዕሰሩ ቱቦ መሳሊ ጎማ ምግባር እዩ። ብተወሳኺ እውን ደም ናብ መትሎ (ብልዕቲ) ንክመፅእ ዝስሕብ ቫኪዮም ማሽን አሎ። እዚ እውን 67 ሚእታዊ አብዝኮኑ ሰባት መትሎ ጠጠው ንክብል ይረድእ። ይኩንዳኣ እምበር ዘርኢ እቲ ወዲ ተባዕታይ ዝሓልፈሉ ቱቦ ስለዝፀቅጦ ናይ እቲ ወዲ ተባዕታይ ዘርኢ ንክፈስስ (አብ ርውየት) አብ ዝበጽሓሉ ግዜ ዘርኢ ንደገ አይፈስስን (አይወጽን)። ስለዚ ውላድ ንክወልዱ ዝደልዩ ሰብ ሓዳር (መፃምድቲ) አማራፂ አይኸውንን።
- ካሊእ አማራፂ ድማ ብመጥባሕቲ አርቴፊሻል ናይ ወዲ ተባዕትዮ መትሎ ምእታው ይካአል እዩ። እዚ እውን አብግዜ ፆታዊ ርክብ ፈሳሲ ናብ አርቴፍሻል ናይ እቲ ወዲ ተባዕታይ መትሎ ንክአቱ ብምግባር መትሎ ጠጠው ንክብል ይገብር። ይኩንደኣ እምበር እዚ ናይ መጥባሕቲ ሕክምና ከም ሕማም ረክሲ(ኢንፌክሽን) ዝበሉ ጎናዊ ሳዕቤን ስለዘለዎ ብብዙሓት ሰባት አይምረፅን።
አብ ላዕሊ ካብ ዝተጠቀሱ ናይ ሕክምና አማራፅታት ንምርካብ ምስ ሓኪም ምዝርራብ ይከአል እዩ።




