ሕማም ሽኮር (Diabetes Mellitus)

Elsabet Azezew
Aug 4, 2025
undefined

  ሕማም ሽኮር (Diabetes Mellitus) 

ሕማም ሽኮር እንታይ እዩ?

ሕማም ሽኮር ሰውነትና ሽኮር ዝቅመጠሉ መንገዲ ዘዛብእ ሕማም እዩ። እዚ ሕማም ዝድህን ህማም ዘይኮነ እድመ ልክእ ዝፀንህ አይነት ሕማም እዩ። ብጥንቃቀ ተዘይተታሂዙ ንተወሳኺ ናይ አካል ጉድአት ከማኡውን ንሞት ዘብጽህ ሕማም እዩ። 

አብዉሽጢ ሰውነትና ዘሎ ኩሎም ህዋሳት ብትኽክል ንክሰርሁ ሽኮር የድልዮም እዩ። ኢንሱሊን ድማ ሰውነትና ሽኮር ንክወድን ንክጥቀምን፣ ስብሂ ንክእክብን ፕሮቲን ንክህነጽ ዝረድእ ሆርሞን እዩ።

አብውሽጢ ሰውነትና እኩል ኢንሱሊን እንተዘይሃልዩ ወይ ድማ ሰውነትና ንኢንሱሊን ምላሽ መሃብ ጠጠው ተቢሉ ሽኮር አብደምና ይእከብ ይከውን።እዚ እውን ናይ ሽኮር ሕማም የምጽእ።

ናይ ሕማም ሽኮር ዓይነት ክልተ እዮም።

ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር

ዓይነት 1 ሕማም ሽኮር ቀንዲ ሽግሩ ላልሽ እኩል ኢንሱሊን ዘይምንጫው እዩ። እዚ ናይሽኮር ሕማም ዓይነት ብዙሕ ግዘ ዝጅምር አብ መንእሰይን አብ ግዘ ንእስነት/ ቁልዕነት እዩ። ብጠቅላላ ሕማም ሽኮር ካብ ዘለዎም ሰባት ካብ 5-10% ዝኮኑ በዚ ዓይነት ሕማም ሽኮር ይተሃዙ።

ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር

ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ቀንዲ ሽግሩ ናይ ሰውነት ህዋሳት ንኢንሱሊን ምላሽ ዘይምሃቦም እዩ። ብተወሳኪ ሰውነት እኹል ኢንሱሊን አየምንጩን።

ጠቅላላ ሕማም ሽኮር ካብዘለዎም ሰባት 90% ዝኮኑ በዓይነት 2 ናይ ሕማም ሽኮር ይጥቅኡ።

ኣብ ግዘ ጥንሲ ሕማም ሽኮር ክክሰት ይክዕል ዶ?

ካብ 3-5% ዝኮና ንፍሰ ፁር ደቂ አንስትዮ አብግዘ ጥንሲ ብሕማም ሽኮር ይተሓዛ። አብ ግዘ ጥንሲ ዝተሓዝኦ ሕማም ሽኮር ምስ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ተመሳሳሊ እዩ። ነገር ግን መብዛሕትኡ ግዘ እቲ ህፃን ምስተወለደ እዚ ሕማም ሽኮር ይገድፈን እዩ። ሕልፍ ሕልፍ ኢሉ ግን አብግዚ ጥንሲ ናይ ሕማም ሽኮር ዘለወን ደቂ አንስቲዮ አብ ሂይዎት ዘመን ን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ንክቃልዓ ዕድለን ዝለኣለ እዩ።

ናይ ሕማም ሽኮር ምልክቱ እንታይ እዩ?

  • ዝለዕለ ፅምኢ ማይ
  • ድኻም
  • ብበዝሒ ሽንቲ ምሻን
  • ክብደት ምቅናስ

ሕማም ሽኮር ምህላው ብኽመይ ንፈልጥ?

  • ሓደ ሰብ ካብ እዞም ዝስዕቡ መለክዒ ሓደ ወይድማ ካብ ሓደ ንላእሊ ምልክት እንተሃሊዎ ሕማም ሽኮር አለዎ ተባሂሉ ይሕሰብ።

አብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ አብዝኮነ ይኩን ሰዓት አብ ውሽጢ ደሙ ዘሎ ናይ ሽኮር መጠን ተለኪዑ ናይ ደሙ ናይሽኮር መጠኑ 200mg/dL (11.1 mmol/L) ወይ ካብ ንላዕኢ እንተኸይኑን ካብዞም ዝስዕቡ ምልክት ሕማም ሽኮር ተተራእይዎ (ብዙሕ ማይ ምስታይ፣ ብዙህ ምግቢ ምምጋብ፣ ብዙህ ሽንቲ ምሻን)

  • ካብ 6-8 ሰአት ድሕሪ ምፃም ናይ ደም ናይ ሽኮር መጠን እንትልካዕ 126 mg/dL (7.0 mmol/L) ወይ ድማ ካብኡ ንላእሊ እንተኸይኑ
  • ናይ 3 ወርሒ ገምጋም ናይ ሽኮር ፐርሰንታይል (ሂሞግሎቢን ኤ1ሲ/ hg A1C) ምርመራ 6.5 % ወይድማ ካብኡ ንላዕሊ እንተኮይኑ

ናይ ሕማም ሽኮር ንምርግጋፅ ናይ ደም ናይ ሽኮር መጠን ልክዒት ክልተ ግዘ ወይ ድማ ካብ ክልተ ንላዕሊ ተሰሪሁ ክረጋገፅ አለዎ።

ምስ ሕማም ሽኮር ተተሓሒዞም ዝመፁ ሽግራት እንታይ እንታይ እዮም?

አብውሽጢ ደም ዘሎ ናይሽኮር መጠን እንተልዒሉ ብጊዘ ከይዲ ከቢድ ሽግራት የሰዕብ። ንምሳለ፦

  • ናይ ነርቪ ሕማም
  • ናይ ኩላሊት ሕማም
  • ናይ ምርአይ ሽግር
  • አብ ኢድን እግርን ስምዒት ምስአን (ምድንዛዝ) እዚ እውን ንቁስሊ የጋልፅ
  • ናይ ልቢ ሕማምን ናይ ደም ትቦ ምፅባብ
  • ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቅሚ ምንአስን ንረክሲ ምግላፅ

አብደም ውሽጢ ዘሎ ናይ ሽኮር መጠን ዝተሕዘ ምኽገን ሽግር የሰዕብ እዩ። ምልክቱ ድማ ልቢ ብቅልጡፍ ይወቅዕ፣ ምንቅጥቃጥን ረሃፅ ምርሃፅ እዮም አብዚ ግዘ ከም ከረሜላ ዝበሉ ጣዕሚ ዘለዎም ምግብታት ብቁልጡፍ ምውሳድ የድሊ።

ናይ ሽኮር ሕማም ብኸመይ ይሕከም?

3ተ ቀንዲ መንገዲ አለዎ

  • ናይ አመጋግባ ለውጢ
  • ናይ አነባብራ መንገዲ ለውጢ
  • ብሓኪምብዝተአዘዙ መድሓኒታት ምውሳድ

ናይ አመጋግባ ለውጢ ፦ ሕማም ሽኮር ዘለዎም ሰባት እንታይ ከምዝበልዑ ትልሚ ከውፁ አለዎም።

  • ካርቦሃይድሬት ፦ ዝለዓለ ካርቦሃይድሬት ምግብታት ናይ ደም ናይ ሽኮር መጠን ልዕል ካብልዎ ይክእሉ እዮም። ስለዚ ሕማም    ሽኮር ንዘለዎም ሰባት ካርቦሃይድሬት ካብፍራፍረን ካብ አትክልቲን ክረክቡ ይምከሩ።
  • ፕሮቲን፦ ካብ ከይህ ስጋ፣ ዓሳ፣ እንቖቅሆ፣ ባሎንጋ፣ ዓተር፣ ፉልን ጥራጥረ ይምከር።
  • ስብሒ፦ ዓሳ፣ አቮካዶ፣ ናይ አውሊዕ ዘይቲን ፍልን ክምገቡ አለዎም።
  • ካሎሪ፦ ካብመጠን ንላዕሊ ክብደት ዘለዎም ሰባት ክብደት ንክቅንሱ ዝተሓተ ካሎሪ ዘለዎም ምግብታት ክምገቡ አለዎም።
  • አልኮል፦ አብ መአልቲ ንደቂ አንስትዮ ካብ ሓደ ንላዕሊ ንደቂ ተባዕትዮ ካብ ክልተ ንላእሊ መስተ ምስታይ አብደምና ዘሎ ናይ ሽኮር መጠን ክልዕል ይገብር እዩ።

ናይ አነባብራ መንገዲ ለውጢ

አብ ሰሙን ካብ 3-5 ግዘ ካብ 30-60 ደቂቓ ናይ አካል ብቀዓት ምንቅስቃስ ምግባር።

ብሓኪም ዝእዘዙ መድሓኒት

ብመርፍእ ዝውሃብ ኢንሱሊን መድሓኒት፦ እዚ ዓይነት መድሓኒት ብበዝሒ ንዓይነት ሕማም ሽኮር ይእዘዝ። ሓደሓደ ግዘ ንዓይነት 2 ሕማም ሽኮር ካብ ቁፅፅር ወፃኢ እንትከውን ክእዘዝ ይክእል እዩ።

ከም ሜቲፎሪሚን፣ ዳዋኒልና ካልኦት ዝወሓጡ ናይ ከኒና መድሓኒታት፦ እዚ ዓይነት መድሓኒት ድማ ንዓይነት 2 ናይ ሕማም ሽኮር ይእዘዝ። እዞም መድሓኒታት ብበዝሒ ተተወሲዶም አብ ደምና ዘሎ ናይሽኮር ብምትሓት ናብ ሞት ከብፅሐና ይክእል እዩ።

ናይ ሽኮር ሕክምና ዕላማ እንታይ እዩ?

  • ናይ ደም ሽኮር ብዓቡእ ምቁፅፃር
  • ንቅፃሊ ክክሰቱ ዝክእሉ ናይ ጥዕና ሽግር ምክልኻል

ናይ ሽኮር ሕማም ምክልኻል ይከአል ዶ?

እወ ይከአል … ብሽኮር ሕማም ናይ ምትሓት ዕድል ንምቅናስ ክብደት ምቁፅፃር ናይ አካል ብቅዓት ምቅስቃስ ምግባር አድላይ እዩ።

ናይ ሕክምና ክትትል ውፅኢታዊ ምኳት ብምንታይ ይፍለጥ?

እቲ ሕክምና ብትኽክል ይሰርሕ ከምዘሎ ንምፍላጥ ሓደ መንገዲ ናይ ደም ናይ ሽኮር መጠን ምምርማር እዩ። ብተወሳኪ እቲሓኪም (HgA1C) ዝተበሃለ ናይ ደም ምርመራ ይገብረልኩም። ብዚ ምርመራ ብዝሓለፉ 2ተን 3ተን አዋርሕ ውሽጢ ዘሎ አብ ደምና ዘሎ ናይ ሽኮር መጠን ክንደይ ምኳኑ ንምፍታሽ ይረድኦ እዩ።

 

Comments (0)